| The complex situation of Catholicism in Great Britain had results in their Colonies. |
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ዝተሓላለኸ ሃዋህው ናይ ካቶሊካውነት ኣብተን ግዛኣታት'ውን ሳዕቤን ነይርዎ እዩ። |
| At the time of the American revolution, Catholics formed approximately 1.6% of the total American population of the original 13 colonies. |
ኣብ ግዜ ሰውራ ኣሜሪካ፡ ካብተን መጀመርያ ዝነበራ 13 ግዝኣታት፡ ካቶሊካውያን ብገምጋም 1.6% ናይ ጠቕላላ ህዝቢ ኣሜሪካ የቑሙ ነበሩ።
|
| If Catholics were seen as potential enemies of the British state, Irish Catholics, subject to British rule, were doubly-damned. |
ካቶሊካውያን ስግኣት ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ጸላእቲ ናይ ሃገረ ብሪጣንያ እንተድኣ ተራእዮም፡ ብሕግታት ብሪጣንያ ዝመሓደሩ ዝነበሩ ኣየርላንዳውያን ካቶሊክ'ውን ብተዓጻጻፊ መልክዕ ከም ጸላእቲ ክኹነኑ እዮም። |
| In Ireland they had been subject to British domination. |
ኣብ ኣየርላንድ፡ ግዳያት ናይ ብሪጣንያዊ ዕብለላ ኮይኖም እዮም። |
| In America Catholics were still forbidden from settling in some of the colonies. |
ኣብ ኣሜሪካ፡ ተኸተልቲ እምነት ካቶሊክ ኣብ ሓደ ሓደ ግዝኣታት ከይሸጡ ተኸልኪሎም ነበሩ። |
| Although the head of their faith dwelt in Rome, they were under the official representation of the Catholic Bishop of the London diocese, one James Talbot. |
ዋላ'ኳ መራሒ እምነቶም ኣብ ሮማ ይነብር እንተነበረ፡ ኣብ ሰበኻ ሎንደን ብዝነብረ ጄምስ ታልቦት ዝተሰምየ ኣቡን እዮም ብወግዒ ዝውከሉ ነይሮም። |
| When War began, Bishop Talbot declared his faithfulness to the British Crown. |
ኩናት ምስ ጀመረ፡ ኣቡን ታልቦት ኣብ ንግስነት ብሪጣንያ ከምዝኣምን ኣወጀ። |
| (If he had done otherwise, Catholics in England would have been in trouble. Anti-Catholic sentiment still ran high.) |
(ምስዚ ዝቃረን ውሳኔ እንተዝውስን፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነበሩ ኣመንቲ ካቶሊክ ኣብ ጸገም ምውደቑ ነይሮም። ኣብ ልዕሊ እምነት-ካቶሊክ ዝነበረ ጽልኢ ልዑል ነበረ።) |
| He forbade any Colonial priest to serve Communion. |
ኣካል ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኾነ ካህን ቁርባን ከይህብ ከልከለ። |
| This made practice of the faith impossible. |
እዚ ኸኣ ነቲ እምነት ምኽታል ዘይከኣል ገበሮ። |
| This created sympathy for the Colonial rebels. |
እዚ መግዛእቲ ንዝቃወሙ ዕጡቓት ዝያዳ ምድንጋጽ ፈጠረ። |
| The Continental Army's alliance with the French increased sympathy for the faith. |
እቲ ኣህጉራዊ ሓይሊ ምስ ፈረንሳውያን ዝፈጠሮ ምትእስሳር ኣብ ልዕሊ'ቲ እምነት ዝነበረ ምድንጋጽ ከምዝውስኽ ገበረ። |
| When the French fleet arrived in Newport, Rhode Island, the colony repealed the Act of 1664 and allowed citizenship to Catholics. |
ናይ ፈረንሳውያን ጭፍራ መራክብ ኣብ ኒውፖርት፡ ደሴታት ሮድ ምስ በጽሓ፡ እታ ግዝኣት ንኣዋጅ 1664 ብምንጻግ ካቶሊካውያን ዜግነት ንኽረኽቡ ፈቐደት። |
| (This anticipated the provision of the Constitutional Bill of Rights which would strike anti-Catholic laws from the books.) |
(እዚ ኸኣ ጸረ-ካቶሊካውያን ዝነበሩ ሕግታት ካብ ቅዋም ክድምስስ ዝኽእል ቅዋማዊ መሰላት ንኽበጋገስ ባይታ ፈጠረ።) |
| After the war, the Pope created an American Bishop, John Carroll -- a descendant of the same Carrolls who had helped found Maryland -- and an American Diocese communicating directly with Rome. |
ድሕሪ እቲ ኩናት፡ እቲ ጳጳስ ኣሜሪካዊ ካህን ሾመ፡ ጆን ካሮል- ዘርኢ ናይቶም ንማሪላንድ ዝፈጠሩ ካሮል ዝተሰምዩ እንዳታት- ብቐጥታ ምስ ሮማ ዝራኸብ ኣሜሪካዊ ሰበኻ ከኣ ፈጠረ። |
| The British government commanded General Thomas Gage to enforce the Intolerable Acts and shut down the Massachusetts legislature. |
መንግስቲ ብሪጣንያ ጀነራል ቶማስ ገይጅ ነቶም ክጽወሩ ዘይክእሉ ኣዋጃት ከተግብር፡ ንሕጋዊ ኣካል ማሳቹሰትስ ከኣ ክዓጽዎ ኣዘዘ። |
| Gage decided to confiscate a stockpile of colonial arms located in Concord. |
ገይጅ ኣብ ኮንኮርድ ዝነበረ መግዛእታዊ ወተሃደራዊ መሳርያታት ክግብቶ ወሰነ። |
| On April 19, 1775, Gage's troops marched to Concord. |
ኣብ ሚያዝያ 19, 1775፡ ወተሃደራት ገይጅ ናብ ኮንኮርድ መረሹ። |
| On the way, at the town of Lexington, Americans who had been warned in advance by Paul Revere and others of the British movements made an attempt to stop the troops. |
ኣብ መንገዲ፡ ለክሲንግቶን ኣብ ዝተባህለት ከተማ፡ ብ ፕውል ረቨረን ካልኦትን ብዛዕባ ምንቅስቓስ ናይ ብሪጣንያውያን ኣቐዲሞም ሓበሬታ ዝረኸቡ ኣሜሪካውያን ነቶም ወተሃደራት ደው ከብልዎም ፈተኑ። |
| No one knows which side fired the first shot, but it sparked battle on Lexington Green between the British and the Minutemen. |
ነታ ናይ መጀመርያ ቶኽሲ መን ከምዝተኮሳ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የለን፡ እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ ብሪጣንያውያንን ሚኒትመንን ኣብ ለክሲንግቶን ግሪን ውግእ ቀስቀሰት። |
| Faced against an overwhelmingly superior number of British regular troops in an open field, the Minutemen were quickly routed. |
ምስ ብቑጽሪ ኣዝዮም ብዙሓት ምዱባት ወተሃደራት ብሪጣንያ ኣብ ቀላዕ ጎልጎል ዝገጠሙ ሚኒትመን ኣብ ሓጺር ግዜ ተሳዕሩ። |
| Nevertheless, alarms sounded through the countryside. |
እንተኾነ ግን፡ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽትታት ኣብ ኩሉን እተን ገጠራት ተጋውሐ። |
| The colonial militias poured in and were able to launch guerrilla attacks on the British while they marched on to Concord. |
ብሪጣንያውያን ናብ ኮንኮርድ ኣብ ዝምርሽሉ ዝነበሩ እዋን፡ ናይተን ግዝኣታት ምሊሻታት ብዋሕዚ እናመጹ ናይ ደባይ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ክኢሎም እዮም። |
| The colonials amassed of troops at Concord. |
እተን ግዝኣታት ኣብ ኮንኮርድ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ወተሃደራት ኣዳለዋ። |
| They engaged the British in force there, and they were able to repulse them. |
ንብሪጣንያ ኣብቲ ቦታ ብሓይሊ ገጠምዎም፡ ንድሕሪት ክደፍእዎም ከኣ ከኣሉ። |
| They then claimed the contents of the armory. |
ብድሕሪ'ዚ ንትሕዝቶ ናይቲ ኣጽዋር ዋንነቶም ገበርዎ። |
| The British retreated to Boston under a constant and withering fire from all sides. |
ካብ ኩሉ ወገን ዘየቋርጽን ዘፍዝዝን ቶኽሲ ዝተኸፍተሎም ብሪጣንያውያን ናብ ቦስቶን ኣዝለቑ። |
| Only a reinforcing column with artillery support on the outskirts of Boston prevented the British withdrawal from becoming a total rout. |
ብሓገዝ ከበድቲ ኣጽዋራት ተደጊፉ ናብ ወሰናስን ቦስተን ዝመጸ ተወሳኺ ሓይሊ ንዘንሳሕቡ ዝነበሩ ብሪጣንያውያን ካብ ምሉእ ስዕረት ኣድሓኖም። |
| The following day the British woke up to find Boston surrounded by 20,000 armed colonists, occupying the neck of land extending to the peninsula the city stood on. |
ኣብታ ዝቐጸለት መዓልቲ፡ ቦስተን 20,000 ብዝቑጸሩ ወተሃደራት ናይተን ግዝኣታት ተኸቢባ ከምዝሓደረት ፈለጡ፡ እታ ከተማ ተደኩናትሉ ናብ ዝነበረት ሓውሲ ደሴት ዘተኣሳስር ሓላቕ መሬት'ውን ኣብ ቁጽጽር ናይቶም ወተሃደራት ወዲቑ ነበረ። |